Fana: At a Speed of Life!

ውሕመ ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን እቲ  ምስ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ቁርፀኛ ኢዩ – ሃና ቴቴህ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 መጋቢት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣብ ምርግጋፅ ሰላምን ድሕንነትን እቲ  ምስ ኢትዮጵያ ንምስራሕ ቁርፀኛ ከምዝኾነ ፍልይቲ ልእኽቲ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሃና ቴቴህ ገሊፀን።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፌዴሪኢን ደመቀ መኮንን፥ ምስ ፍልይቲ ልእኽቲ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሃና ቴቴህ ተዛቲዮም፡፡

ኣይተ ደመቀ መኮንን መንግስቲ ኢትዮጵያ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ንምትግባር እናኸዶ ዘሎ ዝበረታታዕ ፃዕሪ ኣመልኪቶም ነተን ፍልይቲ  ልእኽቲ መብርሂ ምሃቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ሃና ቴቴህ ብግደአን፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ክልል ትግራይ ሰላም ንኸዓስልን ምትእምማን ንምርግጋፅን እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪን ቆራፅነት ንኢደን።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.