Fana: At a Speed of Life!

ውሕመ ንኢሜግሬሽንን ኣገልግሎት ዜግነትን ዝገብሮ ደገፍ ክቕፅል ኢየ ኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ኢሜግሬሽንን ኣገልግሎት ዜግነትን ንዝገብሮ ምዝገባ ስቪል ዝህቦ ደገፍ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ኣገልግሎት ሰላማዊት ዳዊት ብዳይሬክተር ፈንድ ልምዓት ህፃናትን ሓለዋ ህፃናትን ውሕመ ሺማ ሰን ጉብታን ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ዘቲየን።

ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ከይዲ ምዝገባ ስቪል፣ እቲ ትካል ኣብ ቀፃሊ ዝሰርሖም ስራሕቲ ምምሕያሽ ኣዋጅ ምዝገባ ስቪልን ምዝገባ ኣብ ምዝማን ዝጠመተ ልዝብ ከምዝገበሩ ኣብቲ ኣገለግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ሺማ ሰን ጉብታን፥ ዩኒሴፍ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ተግባራት ከምዝውግን ተዛሪቦም።

ኢሚግሬሽንን ኣገልግሎት ዜግነትን ኣብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ምዝገባ ስቪል ዝገብሮ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.