Fana: At a Speed of Life!

ውሕመ ንልምዓት ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ቀድምቲ ጉዳያት ልምዓት ኢትዮጵያ ንምሕጋዝን ምትግባር ዘላቒ ሸቶታት ልምዓትን ንምቅልጣፍ ብዕቱብ ከምዝሰርሕ ኣረጋጊፁ፡፡

ውድብ ሕቡራት መንግስታት ትማሊ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ብምዃን ንዝተሰየሙ ታዬ ኣፅቀስላሴ መግለፂ ሰናይ ትምኒት እንኳዕ ደስ በለኩም ኣመሓላሊፉ፡፡

ኣብ መልእኽቱ ድማ÷ ውሕመን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ልምዓት እታ ሃገር ከደንፍዑ ኣብ ዝኽእሉ ጉዳያት ብሓባር ብምስራሕ ናይ ነዊሕ እዋን መሓዙት ከምዝኾና ኣልዒሉ፡፡

በዚ ድመ ውሕመ ኣብ ቀደምቲ ጉዳያት ልምዓት ንምሕጋዝን ምትግባር ሸቶታተ ዘላቒ ልምዓት ንምቅልጣፍን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ምትሕብባር ኣጠናኺሩ ንምቕፃል ቆራፅ ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ፡፡

ነዚ ድማ ምስ ሓዱሽ ፕሬዚዳንት ኢትዮጵያ ታዬ ኣፅቀስላሴ ብጥንኩር ምትሕብባርን ቅርበትን ከምዝሰርሕ ኣፍሊጡ፡፡

ብኻሊእ መዳይ ነበር ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ብዝነበረን ቅኑዕ ምትሕብባርን ቆራፅነትን ንምዕባይ ሓበራዊ ሸቶታት ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዘበርከታ ብምግላፅ ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.