Fana: At a Speed of Life!

ውሕመ ተግባራዊነት ስምምዕ ሰላም ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ተግባራዊነት ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ብኹለ መዳይ ከምዝድግፍ ኣፍሊጡ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ደመቀ መኮንን ምስ ምክትል ዋና ፀሐፊት ውሕመ ኣሚና መሓመድ ዘቲዮም።

ኣይተ ደመቀ፥ እቲ ከይዲ ሰላም ብዕዉት መገዲ ይፍፀም ከምዘሎ ሓቢሮም።

ኣጀንዳ ሰላም ኣብ ካልኦት ከባቢታት ንምፍፃም መንግስቲ ይሰርሕ ከምዘሎ እውን ተዛሪቦም።

ማሕበረሰብ ዓለም ነቲ ፃዕሪ ዝምጥን ደገፍ ምግባር ትፅቢት ይግበረሉ ኢሎም።

እተን ምክትል ዋና ፀሐፊት ብግደአን፥ ኢትዮጵያ ውሽጣዊ ፀገማታ ባዕላ ምፍታሓ ንኢደን።

ፈታኒ ዝኾነ ትግበራ ከይዲ ሰላም ብኹለ መዳይ ክንድግፍ ኢና እውን ኢለን።

ኣብ ኢትዮጵያ ትልሚ ትግበራ ህንፀት ምትካል እግሪ ምሕጋዝ ከምዝግባእ ብምሕባር፥ እቲ ሰላም ንኻልኦት ሃገራት ኣፍሪካ ተስፋ ዝህብ ኢዩ ኢለን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.