Fana: At a Speed of Life!

ውሕመ ብጎንፂ ንዝተጎድኣ ደቂ ኣንስትዮ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ንምግባር ከምዝሸርኽ ገሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ውሕመ) ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ጎንፂ ተተሓሒዙ ጉድኣት ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ብግቡእ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ንኽኸውን ስራሕቲ ክትትል ብሓባር ንምስራሕ ድሌት ከምዘለዎ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ቀዲ ኣንስትዮን ማሕበራዊ ጉዳይን ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር) ምስ ሓላፊ ጉዳይ ስርዓተ ፆታ ኣብ ዋና ፀሓፊ ውሕመ ክርስቲያን ኤፍ ሰንደርስ ተዛቲየን፡፡

ኤርጎጌ ተስፋዬ (ዶ/ር)÷ ፆታ መሰረት ዝገበሩ መጥቃዕቲታትን ትንኮያታትን ንምክልኻል፣ ማዕርነት ስርዓተ ፆታ ንምርግጋፅን ደቂ ኣንስትዮ ንምብቃዕን ብዙሓት ስራሕቲ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ ገሊፀን፡፡

ብፍላይ ኣብ ዘይዕድመ መርዓ ግርዛት ደቂ ኣንስትዮን ንምዕጋት ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ተዋዲድካ ምስራሕ ስለዝተኽለ ዝበረታታዕ ውፅኢት ከምዝመፅአ ኣብሪሀን።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብጎንፂን ሰብ ስራሕ ሓደጋታትን ጉድኣት ዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ንምሕጋዝን እግሪ ንምትካልን መንግስቲ ምስ ዓለም ለኸ ትካላት ብምውዳድ እናሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ክርስቲያን ኤፍ ሰንደርስ ብግደኦም÷ ደቂ ኣንስትዮ ካብ መጥቃዕቲ ንምክልኻልን መሰለን ንምኽባርን ከምኡ እውን ምስ ጎንፂ ተተሓሒዙ ጉድኣት ንዝበፅሐን ደቂ ኣንስትዮ ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ ብግቡእ ተበፃሒ ንኽኸውን ተዋዲዱ ከምዝሰርሕ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.