Fana: At a Speed of Life!

ውህደት ዞባዊ ፕሮጄክት ዲጂታል ኢኮኖሚ ምብራቕ ኣፍሪካ ናብ ተግባር ንምእታው ዝጠመተ ዘተ ተሳሊጡ

 

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳንን ሶማሊያን ውህደት ዞባዊ ፕሮጄክት ዲጂታል ኢኮኖሚ ምብራቕ ኣፍሪካ ናብ ተግባር ንምእታው ዘኽእል ዘተ ኣሳሊጠን።

እቲ ዘተ ሰለስቲአን ሃገራት ናብ ቀፃሊ ከይዲ ንምስጋር ዘለዎን ደረጃ ንምፍላይ. ድልየተን ንምፍላጥን እቲ ፕሮጀክት ናብ ስራሕ እንትኣቱን ካብተን ሃገራት እንታይ ትፅቢት ይግበር ኣብ ዝብል ዘተኰረ ምዃኑ ተገሊፁ። እቲ ውህደት ዞባዊ ፕሮጄክት ዲጂታል ኢኮኖሚ፥ ኣካል ኢኒሼቲቭ ምትእስሳር ቀርኒ ኣፍሪካን ናይ መጀመሪያ ዓንዲ ሕቖ ዝዀነ ምምሕያሽ ዞባዊ መሰረተ ልምዓት እዩ ተባሂሉ።

እቲ ፕሮጀክት ኣቲ ዞባ ዘሎ ክፍተት መሰረተ ልምዓት ብሮድባንድ ብምምላእን ነጻ ምንቅስቓስ ዲጂታል ኣገልግሎታት ብምዕባይ ልምዓት እቲ ከባቢ ምድጋፍን ምትእስሳር ዲጂታል ዕዳጋ ጋህዲ ንምግባርን ዝዓለመ ምዃኑ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ሑሪያ ዓሊ÷እቲ ፕሮጀክት ናብ ስራሕ እንትኣቱ ኣብ መንጐ እተን ሃገራት ምትእስሳር ዲጂታላዊ ዕዳጋ ካብ ምፍጣር ብተወሳኺ ኣብ ኢትዮጵያ ተባፃሕነት ኢንተርኔት ንምስፋሕ ከምዘኽእል ተዛሪቦም።

ኣብ ስትራቴጂ 2025 ዲጂታል ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ምብፃሕ እቲ ቀንዲ ትኹረት ዝተውሃቦ ምዃኑ ዝፀርሓ እተን ሚኒስትር ዴኤታ÷ እቲ ፕሮጀክት ናብ ስራሕ እንትኣቱ ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ ጉዕዞ ዲጂታል ትራንስፎርሜሽን ንምቅልጣፍ ይሕግዝ እዩ ኢለን።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሚኒስትር ኮሙኒኬሽንን ቴክኖሎጂን ሶማሊያ ሚኒስትር ጃማ ሓሰን ካሊፍ፣  ምክትል ሚኒስትር ኢንፎርሜሽንን ቴክኖሎጂን ደቡብ ሱዳን ጃኮብ ማኢጁን ሓለፍቲ እቲ ፕሮጀክትን ምስታፎም ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.