Fana: At a Speed of Life!

ዋጋ ወርቂ ብሄራዊ ባንኪ በቢመዓልቱ ብዘውፀኦ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ተባዚሑ ከምዝኸውን ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ንዝኾነ ይኹነ ኣቕራቢ ወርቂ ክፍሊት ዝፍፀም ዓለም ለኸ ዕለታዊ ዋጋ ወርቂ ብሄራዊ ባንኪ በቢመዓልቱ ብዘውፀኦ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ተባዚሑ ከምዝኸውን እቲ ባንኪ ኣፍሊጡ።

እቲ ባንኪ መዕደጊ ዋጋ ወርቂ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውፀኦ ሓበሬታ ከምዝገለፆ÷ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ወርቂ ካብ ኣፍረይቲን ኣቕረብቲን ብብሕትነት ክዕድግ ኢዩ፡፡

ዝገዝአሉ ዋጋ በቢእዋኑ ምልውዋጡ ድማ ንኣቕረብቲ ዘበረታትዕ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ብምዃኑ እቲ ባንኪ ኣብ ፖሊሲ ሸርፊ ወፃኢ ለውጢ ብምግባር ብዕዳጋ ዝምራሕ ማዕቐፍ ፖሊሲ ስለዝኽተል ንዝኾነ ወርቂ ኣቕራቢ ክፍሊት ዝፍፀመሉ፤ ዓለም ለኸ ዕለታዊ ዋጋ ወርቂ ብሄራዊ ባንኪ በቢመዓልቱ ብዘውፀኦ ተመን ሸርፊ ወፃኢ ተባዚሑ ከምዝኸውን ተገሊፁ፡፡

ኣፍረይቲን ኣቕረብቲን ወርቂ ነዚ ፈሊጦም ዕለታዊ ተመን ሸርፊ ወጻኢ ካብ መርበብ ሓበሬታ ብሄራዊ ባንኪ ብምርካብ ንዘቕርቡዎ ወርቂ ክፍሊቶም እቲ ወርቂ ካብ ዝሸጡሉ ጨንፈር ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ተሓቢሩ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.