Fana: At a Speed of Life!

ዋጋ ነዳዲ ክስተኻኸል ምግባሩ ኮንትሮባንድ ንኽንኪ ሓጊዙ – ኣይተ ገብረመስቀል ጫላ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋጋ ነዳዲ ክስተኻኸል ምግባሩ ኮንትሮባንድ ንኽንኪ ከምዝገበረ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ኣይተ ገብረመስቀል ጫላ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ ኣብ ኮንትሮባንድ ዝተዋፈሩ ዘይሕጋዊ ነጋዶ ዘይተገበአ ረብሓ ንምርካብ ሃገርን ህዝቢን ዝጎድኡ ተግባራት እናፈጸሙ ከምዝኾኑ ተዛሪቦም።

ኮንትሮባንድ ቁልፊ ፀገም ኢኮኖሚያዊ ምዕባለ ኢትዮጵያ ኢዩ” ዝበሉ እቶም ሚኒስትር÷ ኣብ ልዕሊ ወፃኢን ኣታዊን ንግዲ ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ፅዕንቶ እናሕደረ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ምንቅስቓስ ኮንትሮባንድ ንምቁፅፃር ድማ ብምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ዝምራሕ ግብረ ሓይሊ ትካላት ፀፅታን ጉምሩኽን ተወዲቡ እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣፍሊጦም።

ዋጋ ነዳዲ ኢትዮጵያ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት እንትነፃፀር ትሑት ብምዃኑ ሙሉእ ቦጥ እንተይተረፈ ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ከይዱ ዝሽየጠሉን ኢትዮጵያ ድማ እናተፈተነት ዝፀንሐትሉ ጉዳይ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ቀስ ብቐስ ብዝተኻየደ መመሓየሺ ዋጋ ነዳ ምስ ጎረባብቲ ሃገራት ተመሳሳይ ክኸውን ብምግባር ኮንትሮባንድ ክንኪ ከምዝተገበረ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ሕዚ እውን ኣብ ነዳዲ ዝተወሰነ ዝንባለ ኮንትሮባንድ ይረአ እምበር ብዝተወሰደ ናይ መመሓየሺ ስጉምቲ ካብ ሃገር ዝወፅአሉ ስርዓት እናነከየ ምምፅኡ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.