Fana: At a Speed of Life!

ዋዕላ ደኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባ ወረዳ ሕንጣሎ “ደኒ ተዘይሃልዩ ሰብ ክነብር ኣይኽእልን” ብዝብል ሓሳብ ህዝባዊ ዋዕላ ደኒ ኣካይዱ ።

ወረዳ  31 ሄክታር ብናይ መንግስቲ ደኒ ዝተኸለለ እንትኸወን፥ ሕብረተሰብ ኣብ ደኒ ዘለዎ ኣራኣእያ ናብ ዝሐሸ ብርኪ ንምምፃእ ጠመተ ሂብካ ምስራሕ ከም ዘድሊ መተሓባበሪ ከይዲ ስራሕ ሃፍቲ ተፈጥሮ ወረዳ ሕንጣሎ ኣይተ ብርሃኑ ኪሮስ ሓቢሮም።

ምኣብ ትግራይ ምስ ዝነበረ ኲናት ተዛሚዱ ደንታትና በሪሰን እየን ዝበሉ እቶም መተሓባበሪ፥ ኣብ 2017 ዓ.ም ሽፋን ደኒ ናብ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ ንምምላስ ምስ ክኢላታትን ኣመራርሓን ጣብያታት ኢሉ ’ውን  ህዝቢ ብምዃን ክሰርሓሉ ይግባእ ኢሎም።

ኣብ ወፍሪ ተኸላ ፈልሲ ዝተተኸሉ ፈልስታት ብምክንኻን፣ ተፈጥራኣዊ ደኒ ብምክልኻልን ብምኽላልይ ናብ ዘሐሸ ብርኪ ንምብፃሕ ዝዓበየ ለውጢ ምርኣይ ከምዘድሊ እውን ተዛሪቦም።

ብተወሳኺ ኣመራርሓ ዞባ፣ ወረዳ፣ ክኢላታት ሕርሻ ፣ ኣካላት ፀጥታ ወረዳን ጣብያን ብምውዳድ ኣብ ደኒ ዕሙቕ ዝበለ ኣፍልጦ ንክህልዎም ከምዝስራሕ ምግላፆም ኣብ ጉዳያት ኮሚኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.