Fana: At a Speed of Life!

ዋና ፀሓፊ ውሕመ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ደገፍ ንምቅልጣፍ ጎንፂ ደው ንምባል ምውሳኑ ንኢዶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት(ውሕመ) ኣንቶኒዮ ጉተሬዝ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ኣቕርቦት ሰብኣዊ ደገፍ ንምቅልጣፍ ጎንፂ ደው ንምባል ምውሳኑ ንኢዶም።

ጉተሬዝ ብኣቐባሊ ቃሎም ኣቢሎም ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድሊዮም ወገናት ዝለኣኽ ኣቕርቦት ንምቅልጣፍ ዓሊሙ ዝተገበረ ጎንፂ ደው ምባል ብእወንታዊ መልክዑ ከምዝቕበልዎ ኣፍሊጦም።

እቲ ጎንፂ ኣብ ክልልት ትግራይ፣ ዓፋር፣ ቤኒሻንጉል ጉምዝ፣ ኦሮሚያን ኣምሓራን ብሚሊየናት ዝቑፀሩ ሰባት ንፀገም ከምዘሳጠሖም ገሊፆም።

ስለዝኾነ መንግስቲ ዝወሰኖ ውሳነ ኩሎም ወገናት ናብ መሬት ንከውርድዎ ኣተሓሳሲቦም።

ሰብኣዊ ሓገዝ ንዘድሊዮም ከባቢታት ንምብፃሕ ኩሎም ወገናት ንክረባረቡ እውን ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.