Fana: At a Speed of Life!

ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ልምዓት ኣሜሪካ ምስ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 11 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ትካል ልምዓት ኣሜሪካ (ዩ ኤስ አይ ዲ) ሼን ጆንስን ኣባላት ኤምባሲ ኣሜሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ከተማ መቐለ ዑደት ኣካይዶም።

እቶም ዋና ዳይሬክተር ኣብቲ እዋን ዑደት፥ ምስ ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ መተሓባበሪ ህፁፅ እዋንን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ ፌዴራልን እቲ ክልል ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ተዛቲዮም።

ኣባላ እቲ ኤምባሲ ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ናይ መፍትሒ ሓሳባት ፈሊዮም ብምቕራብ ኣብቲ ከባቢ ዝግበር ሰብኣዊ ሓገዝ ንምዕባይ ኢሉ እውን ተጎዳእቲ ንምብፃሕ ዝግበር ፃዕሪ ንምሕጋዝ ምስ መሓዙት ኣካላት ተዋዲዳ ምስራሕ ክትቅፅል ኢያ ኢሎም፡፡

ኣብቲ ዑደት እውን ኣብ ትግራይ ምስ ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ተተሓሒዙ ኣሜሪካ ሰብኣዊን ምምሕዳራዊን ፀገማት ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ትገብሮ ሓገዝ ንምጥንኻር ከምዝሕግዝ ተገሊፁ፡፡

ኣሜሪካ ኣብ ክልል ትግራይ ውሕስና ምግቢ ንምርግጋፅን ድኽነት ንምንካይን ዝተፈላለዩ ሓገዛት እናገበረት ፀኒሓ ኢያ፡፡

ኣብቲ ተተሓሒዙ ዘሎ ዓመት 2021 እውን ንሰብኣዊ ሓገዝን ልምዓትን ዝውዕል ልዕሊ 100 ሚሊየን ዶላር ሓገዝ ከምትገብር ዩ ኤስ ኣይ ዲ ኣፍሊጡ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.