Fana: At a Speed of Life!

ዋና ዳይሬክተር ትካል ንግዲ ዓለም ከይዲ ኣባልነት ኢትዮጵያ እቲ ትካል ከምዝድግፋ ገሊፀን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ዝተመርሐ ኮሚቴ ተደራዳሪ ትካል ንግዲ ዓለም ኢትዮጵያ ምስ ዋና ዳይሬክተር ትካል ንግዲ ዓለም ኒኮዚ ኣዌላ (ዶ/ር) ተዛቲዩ፡፡

ኣብ ዘተኡ ድማ ኣብ ከይዲ ድርድር ንግዲ ኢትዮጵያ ብምድሃብ ዕዉት ምኽክር ምግባሮም ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ፅሒፎም፡፡

ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ ዝኸደቶ ክልተኣዊን በዓል ብዙሕ ወገን ድርድራትን ኣፈፃፅማ ነተን ዋና ዳይሬክተር መብርሂ ምሃቦም ተዛሪቦም፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ዝቕፅሉ እዋናት ኣብ ዝህልዉ ብውልቀን ብሓባርን ዝግበሩ ርብርባት ዝምልከቱ ኣድለይቲ ጉዳያት ምብረሆም ገሊፆም፡፡

ኒኮዚ ኣዌላ (ዶ/ር) ብግደአን÷ ኢትዮጵያ ኣባል ትካል ንግዲ ዓለም ኮይና ምርኣይ ልዑል ውጥነን ከምዝኾነ ብምግላፅ፤ ዝኾነ ይኹን ሓገዝ ካብ ምግባር ከምዘይቑጠባ ኣረጋጊፀን፡፡

ብኻሊእ መዳይ ንጉጅለ ኣፍሪካን ኣባል ሃገራትን ንድርድር ኣባልነት ኢትዮጵያ ንኽድግፉ ዕላዊ ፃውዒት ከምዘመሓላልፋ ተዛሪበን፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.