Fana: At a Speed of Life!

ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መገዲታት ኢትዮጵያ ኢንጅነር ሃብታሙ ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ዋና ዳይሬክተር በዓል መዚ መገዲታት ኢትዮጵያ ኢንጅነር ሃብታሙ ተገኘ ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኦስማን ዲዮን ተዛቲዮም።

ኣብቲ ዝገበሩዎ ዘተ ድማ ኢትዮጵያን ባንኪ ዓለምን ብምትሕብባር ወሰንቲ ዝኾኑ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓታት መገዲን ሓይሊን ብዝበለፀ ምዝማን ኣብ ዝከኣለሉ ኣግባብ ኣድሂቦም ተዛቲዮም፡፡

ምሕደራ ልምዲ ሃፍቲ መገዲን ዞባዊ ምትሕብባርን ምምሕያሽ ኣብ ዝከኣለሎም ጉዳያት እውን ትኹረት ገይሮም ተላዚቦም ኢዮም።

ባንኪ ዓለም ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ካብ 1991 ጀሚሩ ኣብ መሰረተ ልምዓት ኢትዮጵያ ክፍተታት ንምምላእ ልዕሊ 2 ቢሊየን ዶላር ፈሰስ ምግባሩ ገሊፁ።

እዚ ድማ ኣብ ኣብ ኢትጵያ ብርኪ ፅሬትን ዝርገሐ ምትእስሳርን መገዲታት ከምዝሰኸ ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትጵያ ዘውፀኦ ሓበሬታ የረድእ።

ስለዝኾነ ድማ መጠን ሽፋን መገዲ ኢትዮጵያ ኣብ 1991 ካብ ዝነበረሉ 20 ሺሕ ኪሎ ሜትር ኣብ 2020 ናብ 144 ሺሕ ኪሎ ሜትር ምብፅሑ ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.