Fana: At a Speed of Life!

ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሜጀር ጀኔራል ይልማ መርዳሳ ኣብ ምድብ ኣየር ምዕራብ ዑደት ኣካይዶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ፌዴሪኢ ሜጀር ጀኔራል ይልማ መርዳሳ ኣብ ምድብ ኣየር ምዕራብ ዑደት ኣካይዶም።

ኣብ እዋን ዑደት ድማ ሰራዊት እቲ ምድብ ከሓዲ ዝሸረቦ ሃገር ናይ ምትርማስ ትልሚ ንምፍሻል፥ ኣመራርሑኡ ብጥበብ ኣባላት ድማ ብጅግንነት ንዝፈፀሙዎ ዘኹርዕ ተጋድሎ ምስጋና ኣቕሪቦምሎም።

ምድብ ኣየር ምዕራብ ሽርሒ ጉጅለ ጁንታ ህወሓት ንምፍሻል ኣብ ዝተገበረ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ዓቢዪ ተጋድሎ ከምዝፈፀመ ምርግጋፆም ካብ መርበብ ሓበሬታ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

መኽታ ሃገር ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ሰራዊት ምክልኻ በላዒ ሰብ ዝኺነ ጉጅለ ናይ ባዕሉ ብፆት ብድሕሪት ኮይኑ ብምውግኡ፥ እቶም ኣባላት ዝገጠሞም ልቢ ዝሰብር ሓዘን ክኢሎም ኣመራርሓታትን ኣባላትን ኣመራርሓታትን እቲ ምድብ ውደባ ብምፍጣር ብሃገራዊ ስምዒትን ሞራልን ደቂ ህዝቢ ምዃኖም ብተግባር ከምዘመስከሩ ገሊፆም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ድማ ክእለትን ዓቕሚን ቴክኖሎጂ ብምዕባይ ሓይሊ ሰብ ብስልጠና ብምዕባይ፣ ካብ ዝኾነ ይኹን ኣተሓሳስባ ፓርቲ ፖለቲካ ፍፁም ናፃ ብምዃን ውዳበ ሪፎርም ብዝበለፀ ብምጥንኻር ናይ ሃገር መኸትኡ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል መልእኽ ኣመሓላሊፎም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.