Fana: At a Speed of Life!

ዋና ቤት ዕዮ ማእኸል ምክልኻን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ ንምህናፅ እምነ ኩርናዕ ተነቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ዋና ቤት ዕዮ ማእኸል ምክልኻን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ/ሲዲሲ/ ንምህናፅ ዘኽእል እምነ ኩርናዕ ተነቢሩ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ሃይሌ ጋርመንት ዝህነፅ ህንፃ እቲ ማእኸል፥ ሙሉእ ወፃኢኡ ብመንግስቲ ቻይና ዝሽፈን ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣብቲ ስነስርዓት ምንባር እምነ ኩርናዕ፥ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ጉዳያት ማሕበራዊ ኣሚራ ኢልፋዲል መሓመድ፣ ኣምባሳደር ቻይና ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ሊኡ ዩጂ፣ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ፣ ምክትል ከንቲባ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤን ካልኦት ተወከልቲ ሕብረት ኣፍሪካን ተረኺቦመ።

ዋና ቤት ዕዮ ሲዲሲ ኣፍሪካ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ምህናፁ፥ ኣፍሪካውያን ኮቪድ-19፣ ኢቦላን ካልኦት ለበዳታትን ኣቐዲምካ ንምክልኻልን ማእኸል ምርምር ኮይኑ ንምግልጋልን ከምዝሕግዝ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ጉዳያት ማሕበራዊ ኣሚራ ኢልፋዲል መሓመድ ገሊፀን።

እቲ ማእኸል ኣብ 90 ሺሕ ስኩዌር ሜትሮ ቦታ ከለምዝዓርፍ እውን ተገሊፁ፡፡

ህንፀት እቲ ማእኸል ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ክዛዘም ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.