Fana: At a Speed of Life!

ዋና መስመር ሱዳን ብምቁፅፃር ኮሪደር ንምኽፋት ዝተመነየ ፀላኢ ሓፈሻዊ ሕልሙ ፈሺሉ – ብርጋዴር ጀኔራል ናስር አባዲጋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መስከረም፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና መስመር ሱዳን ብምቁፅፃር ኮሪደር ንምኽፋት ደልዩ ዝነበረ ፀላኢ ሓፈሻዊ ሕልሙ ከምዝፈሸለ ዋና ኣዛዚ 8ይ መካናይዝድ ክፍለ ጦር ብርጋዴር ጀኔራል ናስር አባዲጋ ገሊፆም።

ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብወገን ቲሃ ቁፅሩ ካብ 1 ሺሕን 200 ክሳብ 1 ሺሕን 400 ዝፅጋዕ ሓይሊ ኣሽሊኹ ብኣርባዕተ ኣንፈት ኲናት ብምኽፋት ብሽንፋ-ጭልጋ-ትክልድንጋይ ገይሩ ጎንደር ብምቁፅፃር ናብ ኣዲስ ኣበባ ናይ ምእታው ትልሚ ከምዝነበሮ ብምሕባር፥ እቲ ከንቱ ሕልሙ ከምዝፈሸለ እቶም ዋና ኣዛዚ ኣብሪሆም።

ዓለም ለኸ መስመር ሱዳን ንምኽፋት ፃዕሪ ዝገበረ እቲ ወራሪ ጉጅለ፥ ውግእ ኣብ ዝኸፈተሎም ጫካታት ከምዝተረፈን ሕልሙ ከምዝመኸነን ተዛሪቦም።

እቶም ዋና ኣዛዚ ከምዝበሉዎ፥ ኣብ ቲሃ ኣብ ዝተኻየደ ውግእ 462 ሓይሊ ፀላኢ ተደምሲሱ 39 ድማ ተማሪኹ ኢዩ።

ቁፅሮም ቀሊል ዘይበሃሉ ናይ ውልቀን ጉጅለን ኣፅዋራት እውን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ሓይሊ ወገን ኣቲዮም ኢሎም።

ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ንወገን ጦር ዝገብሮ ኩለመዳይ ሓገዝ ዝምስገን ከምዝኾነ ዝገለፁ ብርጋዴር ጀኔራል ናስር አባዲጋ፥ “ንሕና እውን ወነ ጅግንነትን ሰዓራይነትን ብመሓዝ ንግብረ ራዕዲ ካብ ምድምሳስ ብተወሳኺ ዶብ ኢትዮጵያ ክነኽብር ኢና” ኢሎም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.