Fana: At a Speed of Life!

ዋና ሓላፊ ትካል ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት ህወሓት ኣብ ደቡብ ወሎ ዘብፅሖ መጉዳእቲ ተዓዚቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ዋና ሓለፊ ትካል ልምዓት ውድብ ሕቡራት መንግስታት (ዩ ኤን ዲ ፒ) ቱርሃን ሳልሕን ካልኦት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ትካል ልምዓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዞባ ደቡብ ወሎ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ዘብፅሖ መጉዳእቲ ተዓዚቦም።

ዋና ሓላፊ ቱርሃን ሳልሕን ምኽት ሓላፊ ክሊዎፋስ ቶሮሪን ሓዊሱ ኣብቲ ዑደት ዝተሳተፉ ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ትካል ልምዓት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ዞባ ደቡብ ወሎ ዝበፅሐ ጉድኣት ብዝምልከት ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ወሎ ዓብዱ ሑሴንን ካልኦት ኣመራርሓታትን መብርሂ ሂቦም።

ዋና ኣመሓዳሪ ዞባ ደቡብ ወሎ ዓብዱ ሑሴን፥ ክሳብ ሐዚ ብዝተገብረ ስራሕቲ ኣተኣኻኽባ ሓበሬታ ህወሓት ንብርክት ዝበሉ ዜጋታት ከምዝቐተለን ከምኡ እውን ንዋታዊ ዕንወት ምብፅሑን ኣብሪሆም።

ካብ ኮምዩኒኬሽን ዞባ ደቡብ ወሎ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘርድኦ፥ ብርክት ዝበሉ ንስነልቦናዊ ቅልውላው ንክሳጥሑ ከምዝተገብረ ድሕሪ ምሕባር፥ ትካላት ንሕብረተሰብ ክህባ ኣብ ዝግብአን ኣገልግሎት ልዑል ኣሉታዊ ፅዕንቶ ምሕዳሩ እውን ተዛሪቦም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.