Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ ምስ ልኡኽ ባንኪ ዓለም ባንክ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 27 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወይዘሮ ጫልቱ ሳኒ ምስ ጉጅለ ልኡኽ ባንኪ ዓለም ባንክ ተዛቲየን።

እቲ ዘተ ብባንኪ ዓለም ዝድገፉ ስራሕቲ ልምዓት ከተማን መሰረተ ልምዓትን ዝርከቡሉ እዋናዊ ኩነታት ብምግምጋም ቀፀልቲ ኣንፈታት ምቕማጥ ዕላማ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ ብባንኪ ዓለም ዝድገፉ ፕሮጀክታት ኣብ ፅቡቕ ብርኪ ኣፈፃፅማ ዝርከቡ ፕሮጀክታት ምህላዎም ከምዘሎ ኮይኑ ኣብ ፀፅታን ተተሓሓዝቲ ጉዳያትን ዝረኤ ምጉታታት ክእረሙ ከምዝግባእ ተሓቢሩ፡፡

እዚ ተፈፃሚ ንምግባር ድማ ዝምልከቶም ኣካላት ብፅሒቶም ክዋፅኡ ከምዝግበኦም ምግላፁ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ፣ ካብ ምምሕዳር መገዲታት ኢትዮጵያን ዋና ቤት ዕዮን ብባንኪ ዓለም ዝድገፉ ፕሮጀክታት ዝመርሑ ኣመራርሓታትን ዝምልከቶም ኣካላትን ተረኺቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.