Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ሰመሪታ ሰዋሰው ምስ ኣቦ መንበር ዓለም ለኸ ጉጅለ ኢነርጂ ቻይና ዘቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ) ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ወ/ሮ ሰመሪታ ሰዋሰው  ብኣቦ መንበር ዓለም ለኸ ጉጅለ ኢነርጂ ቻይና ሊ ዚያንግ ምስ ዝተመርሐ ልኡኽ ዘቲየን።

ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ብዛዕባ ዘሎ ምትሕበባር ኢኮኖሚን ኣብ ቀፃሊ ክግበር ዝግበኦ ምትሕበባር ኢንቨስትመንትን ኢኮኖሚን ምልዛቦም ተገሊፁ።

ወ/ሮ ሰመሪታ፥ እቲ ጉጅለ ኣብ ምፍልፋል ሓይሊን ሀንፀት ፕሮጀከት መስተ ማይን ኢትዮጵያ ተሳትፎ እናገበረ ዝፀንሐ ገዚፍ ኩባኒያ ቻይና ከምዝኾነ ተዛሪበን።

ስለዝኾነ ኢትዮጵያ መስዚ ኩባኒያን ካልኦት ሰብ ሃፍቲ ቻይናን ብምትሕብባር ንምስራሕ ደልየት ከምዘለዋ ገሊፀን።

ሊ ዚያንግ ብግደኦም፥ እቲ ጉጅለ ኣብ ኢትዮጵያ ምፍልፋል ሓይሊ ተከዘ፣ ምፍልፋል ሓይሊ ኣመርቲ ነሽ ፊንጫ፣ ገናሌ ዳዋ 3ን ፕሮጀክትታት መስተ ማይን ምህናፁ ሓቢሮም።

ኣብ ቀፃሊ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ፋበሪካ ዘመናዊ ዱኽዒ፣ ስሚንቶ፣ ተሓደስቲ ሓይሊ ኢንቨስትመነት ናይ መውፋር ደልየት ከምኝዘለዋ ምዝራቦም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.