Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ሰመሪታ ሰዋሰው ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፊንላንድ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ታሕሳስ ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ብምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፊንላንድ ፓሲ ሂልማን ምስ ዝረመርሐ ጉጅለ ልኡኽ ተዛቲየን።

ኣብ ዘተአን ድማ ኣብ ዝቕፅል ክልቲአን ሃገራት ኢኮኖሚያዊ ምትሕብባረን ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣብ ዝኽእላሉ ጉዳያት ኣተኲረን፡፡

ወይዘሮ ሰመሪታ ሰዋሰው÷ ኢትዮጵያን ፊንላንድን ሰናይ ክልተኣዊ ርክብ ዘለወን ሃገራት ከምዝኾና ተዛሪበን።

መንግስቲ ፊንላንድ ብወገን ባንኪ ዓለም ባንኪ ልምዓት ኣፍሪካን ኣቢሉ ዝገብሮ ሓገዝ ልምዓት ከምኡ እውን ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ትምህርቲ፣ ጥዕና፣ መስተ ማይን ካልኦት ዓውዲታትን ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ዘለወን እምነት ገሊፀን።

ሰብ ሃፍቲ ፊንላንድ ኣብ ዓውዲታት ኢንቨስትመንት ሕርሻ፣ ኣግሮ ፕሮሰሲንግ፣ ሓይሊን ካልኦትን መዋእለ ንዋይ እንተዘፍስሱ ውፅኢታዊ ከምዝኾኑ እውን ኣመልኪተን፡፡

ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ፊንላንድ ፓሲ ሂልማን ብግደኦም÷ ፊንላድ ንኢትዮጵያ ትገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ምርግጋፆም ካብ ሚኒስቴር ገንዘብ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.