Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ሰመሪታ ምስ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ዞባዊ ፈንድ ልምዓት ግብርና ዘቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ወ/ሮ ሰመሪታ ምስ ዳይሬክተር ዓለም ለኸ ዞባዊ ፈንድ ልምዓት ግብርና (ኢፋድ) ሳራ ምባጎ ቡኑ ዘቲየን።

ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ ዓውዲ ውልቀ ዘለዉ ፍልፍላት ሃፍቲ መድላይን ምስ ካልኦት መሻርኽቲ ልምዓት ዘሎ ትሕብብር ክብ ምባል ኣብ ዘኽእሉ ኩነታት ጠመተ ዝገበረ ኢዩ።

ኢፋድ ኣብ ኢትዮጵያ ትካላት ፋይናንስ ገፀር ኣብ ምጥንኻርን ኣናእሽቱ ፕሮጀክትታት መስኖ ኣብ ምስፋሕን ልምዓት ግብርና ደገፍ እንትገብር ምፅንሑ ተሓቢሩ።

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኢፋድን ዘሎ ሽርክና ብምጥንኻር ኣብ ዘላቒ ልምዓትን ምዕባለ ኢኮኖሚን ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ግደ ክህልዎ ከምዝተብሃለ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.