Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ሰመሪታ ምስ ሓጋዚት ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ወ/ሮ ሰመሪታ ምስ ሓጋዚት ዋና ዳይሬክተር ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ቫለሪ ጓርኒየሪ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዛቲየን።

ኣብ ዘተአን ድማ÷ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝገብሮም ቀረባት ሰብኣዊ ሓገዝ ዝጠመተ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቲ ትካል ምስ ኢትዮጵያ ዘለዎ ናይ ነዊሕ እዋን ምሕዝነት መሰረት ብምግባር÷ ኣብ መድሕን ህይወትን ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ሓገዝ ኣብ ዝሰርሖም ስራሕቲ ብምድሃብ ከምዝተመያየጣ እውን ሓበሬታ ሚኒስቴር ገንዘብ የመላኽት፡፡

ኣብ ኣወሃህባ ሓገዝ ምግቢ ዝተገበሩ ምምሕያሻትን ኣብ ቀፃሊ ትኹረት ክግበረሎም ብዛዕባ ዝግብኡ ጉዳያትን እውን ተዛቲየን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ከም ሃገር ብዝተፈላለዩ ሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ፀገማት ምኽያት ጠለብ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምዝወሰኸ ተገሊፁ፡፡

ትካላት ሓገዝን መንግስቲን እውን ነዚ ኣብ ግምት ዘእተወ ሓገዝ ምግባር ኣብ ዝከኣለሉ ጉዳይ ተዋዲዶም ክሰርሑ ዘኽእሉ ሃዋህዋት ኣብ ምርድዳእ ተበፂሑ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.