Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ሚስራ ዓብደላ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሃረሪ ኮይነን ተሾይመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ቤት ምኽሪ ክልል ሃረሪ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ወይዘሮ ሚስራ ዓብደላ ዳግም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ገይሩ ሾይሙ።

እቲ ቤት ምኽሪ፥ ብርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኦርዲን በድሪ ምክትል ርእሰ መምሕዳር ሕፅይቲ ኮይነን ዝቐረባሉ ወይዘሮ ሰሚራ ዓብደላ መርሚሩ ብሙሉእ ድምፂ ኣፅዲቑ።

ካብዚ ብተወሳኺ እቲ ቤት ምኽሪ፥ በቶም ርእሰ ምምሕዳር ዝቐረበሉ ሽመት ኣፈፀምቲ ስራሕ መንግስቲ መርሚሩ ኣፅዲቑ።

ብመሰረት እዚ፦

  1. ወይዘሮ ኣሚና ኣብዱልከሪም ብመዓርግ ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊት ቢሮ ኮንስትራክሽንን ልምዓት ከተማን እቲ ክልል
  2. ወይዘሮ ፈሪሃ መሓመድ ሓላፊት ቢሮ ሲቪል ሰርቪስን ሃፍቲ ሰብን እቲ ክልል
  3. ኣይተ ኣዩብ ኣሕመድ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ እቲ ክልል
  4. ዶክተር ኢብሳ ሙሳ ሓላፊ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል
  5. ወይዘሮ ጠይባ ኣብደላ ሓላፊ ቢሮ ትራንስፖርትን ልምዓት መገዲን እቲ
  6. ወይዘሮ ደሊላ ዩሱፍ ሓላፊ ቢሮ ደቂ ኣንስትዮ፣ ህፃናትን መናእሰይን እቲ ክልል
  7. ኣይተ በቀለ ተመስገን ሓላፊ ቢሮ እቶት እቲ ክልል
  8. ኣይተ ሙክታር ሳሊህ ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልል
  9. ኣይተ ተወለዳ ኣብዶሽ ሓላፊ ቢሮ ባህሊ፣ ሓድጊን ቱሪዝምን እቲ ክልል
  10. ኣይተ ኢስማኤል ዩሱፍ መካየዲ ስራሕ ምስንዳእ ከተማ ሃረሪ
  11. ወይዘሮ ሰሚራ ዩሱፍ ሓላፊ ቢሮ ኢንተርፕራይዝን ልምዓት ኢንዱስትሪ እቲ ክልል
  12. ኣይተ ጥላሁን ወደራ ጎበና ሓላፊ ቢሮ ምምሕዳር ሰላምን ፀፅታን እቲ ክልል ኮይኖም ተሾይሞም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.