Fana: At a Speed of Life!

ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጣሊያን ኢማኑዌላ ዴል ሬ ብስልኪ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ህዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሚኒስትር ሰላም ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጣሊያን ኢማኑዌላ ዴል ሬ ብስልኪ ተዛቲየን።

እተን ሚኒስትር ኣብ ልዕሊ ጁንታ ህወሓት ዝካየድ ዝነበረ ሕጊ ናይ ምኽባር ተግባር ከምዝተዛዘመን ሰብኣዊ ሓገዝ ብዝምልከት ብዛዕባ ዘሎ ምትሕብባር መብርሂ ሂበን።

እቲ ምኽባር ሕጊ ስቪላትን መሰረተ ልምዓታትን ካብ ጉድኣት ንምክልኻል ብጣዕሚ ጥንቃቐ ብዝተመልኦ ከምዝተፈፀመ ገሊፀን።

እተን ምክትል ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጣሊያን ብግደአን፥ ኣብ ከይዲ ምኽባር ሕጊ ሰላማዊ ዜጋታት ንምሕላው ዝተገበረ ጥንቃቐ ንኢደን።

መንግስቲ ጣሊያን ኣብ ጣሊያን ብዝርከብ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣቢሉ በፍላይ እታዎታት ሕክምና ብምቕራብ መነግስቲ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ ድልየታት ንምቕራብ ንዝገብሮ ፃዕሪ ከምዝሕግዝ ኣረጋጊፀን።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ንነዊሕ እዋን ዝፀንሐ ሕውነታዊ ርክብ ብዝበለፀ ከምዝጠናኸረ እወን ኣረጋጊፀን።

ወ/ሮ ሙፈሪሃት ካሚል መንግስቲ ጣሊያን ንዝገብሮ ሓገዝ አመስጊነን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.