Fana: At a Speed of Life!

ወፍሪ ‘#NoMore’ኢድ ኣእታውነት ወፃኢ ክሳብ ዘይተለዓለ ክቕፅል ኢዩ – መተሓባበርቲ እቲ ወፍሪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሕዳር፣ 2014(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መላእ ዓለም ዝተጀመረ ወፍሪ ሃሽታግ የኣክል ወይድማ ‘#No_More’ ኣሜሪካን ካልኦት መሻርኅታን ኢደን ካብ ኢትዮጵያ ክሳብ ዘየልዐላ እዋን ተጠናኺ ከምዝቕፅል መተሓባበርቲ እቲ ምንቅስቓስን ትማሊ ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዝተኻየዱ ሰልፊታት ዘሰናድኡን ኢትዮጵያውያን ገሊፆም።

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ ዓለም ለኸ መተሓባበሪ ነብዩ ኣስፋው፥ ኣብ ቀረባ እዋን ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ኢትዮጵያውያንን ትውልደ ኢትዮጵያውያንንን፣ ኤርትራውያን፣ ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ካልኦትን ከምኡ እውን ዜጋታት ሃገራት ካሪቢያን እናተሳተፉ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ተማሊ ዕለት እውን ኣብ ሓሙሽተ ኣህጉራትን ልዕሊ 27 ከተማታትን ዝተኻየደ ሰልፊ ታሪኻዊን ሓድነት ዝተርኣየሉን ከምዝነበረ ገሊፆም።

“ኣብ ቀፃሊ እውን ኣሜሪካን መሻርኽታን ካብ ዘይተደለየ ፅዕንቶን ኢድ ኢትዮጵያ ንምጥምዛዝ ዝብረኦ ምንቅስቓስ ጠተው እነተዘየቢለን ምስ ካልኦት ፈተውቲ ዝተጀመረ ምንቅስቓስ ክንቅፅለሉ ኢና” ኢሎም።

ኣብ ዋሸንግተን ዲሲ ዝተኻየደ ሰልፊ ዘተሓባበሩ ጣሰው መልከህይወት ብግደኦም፥ ኣብ ቅድሚ ዋይት ሃውስ ዝነበረ ሰልፊ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እናገበረቶ ትርከብ ዝተሰሓሓተ ኣካይዳ ንኅትቅይር ከምዝተሓተተ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተረኣየ ዝመፅአ ሓድነት ብ’ኣጆኺ ኢትዮጵያን’ ካልኦት መድረኻት መተኣኻኸቢ ሓገዝን ተጠናኺሩ ክቕፅል ይግባእ ኢሎም።

ብኣፈወርቅ ኣለሙ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.