Fana: At a Speed of Life!

“ወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ዕላምዑ ብዘዕወተ መልክዑ ብዓወት ተዛዚሙ – ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)“ወፍሪ ንህብረ ብሄራዊ ሓድነት” ዕላምዑ ብዘዕወተ መልክዑ ብዓወት ከምዝተዛዘመ ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ኣፍሊጡ።

ሚኒሰስትር እቲ ኣገልግሎት ዶክተር ለገሰ ቱሉ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ቀንዲ ዕላማ እቲ ወፍሪ ግብረ ራዕዲ ጉጅለ ካብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ፀራሪግካ ምውፃእን እቲ ጉጅለ ዳግም ስግኣት ኢትዮጵያ ከይኸውን ምግባርን ከምዝነበረ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ እቲ ወራሪ ጉጅለ ካብ ክልለ ዓፋር ሙ፤ሉእ ብሙሉእ ከምኡ እውን ካብ ክልል ኣምሓራ ምብራቓዊ ከባቢታት ምውፅኡ ብምሕባር፥ በቲ ወፍሪ ኢትዮጵያን ኢትዮጵያውያንን ተዓወትቲ ዝኾኑሉ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ወፍሪ ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ዓቢዪ ገድሊ ዝሰርሑሉን ኣብ ታሪኽ ወርቃዊ ኮይኑ ዝፀሓፍ ስራሕ ዝሰርሑሉን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሓይሊታት ፀፅታ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን እውን ናይ ባዕሎም ጻዕሪ ገይሮም ዘኹርዕ ብፅሒት ዝተዋፅኡሉ ከምዝኾነ ዶክተር ለገሰ ኣገንዚቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ናይ ፀላኢ ድሌት፣ ትምኒትን ናይ ምግባር ዓቕሚን ብልዑል ኩነታት ተወቒዑ ኢዩ ዝበሉ እቶም ሚኒስትር፥ ይኹን እምበር ድሌት ሓይሊ ፀላኢ ዳግም ከይንቀሳቐስ መንግስቲ ኣብ ቀፃሊ ኣብ መፅናዕቲ ተስሪቱ ስጉምቲ ክወስድ ኢዩ ኢሎም።

ሓይሊ ወገን ጥንካርኡ ሒዙ ንኽቕፅል ዓቢዪ ስራሕ ከምዝስራሕ ብምሕባር፤ ሕብረተሰብ እውን ክሳብ ሎሚ እናገበሮ ዝነበረ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣብ መግለፂኦም ኣገንዚቦም።

ነቲ ወራሪ ሓይሊ ናብ ዝኣተዎ ቲዩ ዝደምሰሰ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ዘለዎ ንኽፀንሕ ተወሲኑ ኢዩ እውን ኢሎም።

ነዚ ድማ ቅድሚ ሕዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዘጋጠሙ ፀገማት ምምሃር ኣድላዪ ኮይኑ ስለዝተረኸበ፣ ብዝተፀንዐ መልክዑ ሓይሊ ፀፅታ ስጉምቲ ንኽስድ ከምኡ እውን ብሽርሒ እቲ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ናብ መፃወዲያ ንዘይምእታው ብምሕሳብ ውሳነ ከምዝተወሰነ ኣብሪሆም።

ኣብ ምዕራብ ኣምሓራ ምስ ዘሎ ኩነታት ተተሓሒዙ መንግስቲ ኣብ ቀፃሊ ሓበሬታታት ከምዝህብ ገሊፆም።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ልዕሊ ንፁሃን ብግብረ ራዕዲ ሸኔ ዝፍፀሙ መጥቃዕቲታት ንምክልኻል መንግስቲ ኣድላዪ ስጉምቲ ከምዝወስድ ኣረጋጊፆም።

ከባቢኦም ያሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.