Fana: At a Speed of Life!

ወፍሪ ህልውና ብቴክኖሎጂ ክንሕግዝ ኢና – ሙሁራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ነሓሰ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ወታደራዊ መመሳርሒታት ብምፅጋንን ቴክኖሎጂያዊ ሓገዛት ብምግባርን ወፍሪ ህልውና ከምዝድግፉ ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ መንግስታዊ፣ ውልቀ ኮሌጃትን ኮሌጃት ፖሊ ቴክኒክን ሙሁራት ገሊፆም።

ኤጀንሲ ስልጠና ትምህርቲ ቴክኒክን ሞያን ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ “ሃገር ንምፍራስ ዛዕባ ንምምካት ኢትዮጵያ ናይ ምድሓን ሓላፍነትና ክንዋፃእ ኢና” ብዝብል ሓሳብ፥ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ኣድሂቡ መንግስታዊ፣ ውልቀ ኮሌጃትን ኮሌጃት ፖሊ ቴክኒክን ሙሁራት ዝተሳተፉሉ መርሃ ግብሪ ተኻይዱ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተሳተፉ ሙሁራን ብብርኪ ዓለም ዝግበሩ ፅዕንቶታት ብማሕበራዊ ሚዲያ ይኹን ብልዝባት ብምስታፍ ንምምካትን ኣብ ወፍሪ ህልውና ደጀን ንምዃን ከምዝተለዓሉ እውን ገሊፆም።

ብፍላይ ኣብቲ ዓውዲ ዘሎ ዓቕሚ ቴክኖሎጂ ብምጥቃም ወታደራዊ መሳርሒታት ብምፅጋንንቴክኖሎጂያዊ ሓገዛት ብምግባርን ነቲ ወፍሪ ህክውና ብሞየኦም ከምዝድግፉ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.