Fana: At a Speed of Life!

ወፃኢን ኣታዊን ኣቑሑት ኣብ ዝተኣናገደሉ ደረቕ ወደብን ተርሚናልን ሞጆ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ከምዝተጀመረ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ወፃኢን ኣታዊን ኣቑሑት ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኣናገደሉ ደረቕ ወደብን ተርሚናልን ሞጆ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ምጅማሩ ትካል ግልጋሎት ትራንስፖርት ባሕሪን ሎጂስቲክስን ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ደረቕ ወደብን ተርሚናልን ሞጆ መብዛሕትኦም ወፃእቲን ኣተውቲን ኣቕሑት እዛ ሃገር ዘተኣናግድ ምዃኑ ዝገለፀ እቲ ትካል፥ ዶብ ሰገር ሹፌራት ከበድቲ ተሸከርከርቲ፣ ኣማፃእቲን ለኣኽቲን፣ ኣመሓላለፍቲ ኣቑሑት ትራንዚተራት፣ ናይቲ ትካልን ካልኦት ትካላትን ሰራሕተኛታት ብብዝሒ ዝርከቡሉ ስለዝኾነ ኣብ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮና ፍሉይ ጠመተ ተዋሂቡ ይስራሕ ኣሎ ኢሉ።

ብፍላይ ድማ ገናሕቲ ዶብ ሰገር ከበድቲ ተሸከርከርቲ ነቲ ለበዳ ሕማም ብመንፅርዘ ለዎም ተቓላዕነት ኣብቲ ወደብ ኣታዊ ፅዕነት እንተራግፉ ይኹን ወፃኢ እንትፅዕኑ ኣብ ዝህሉ ከይዲ ስራሕ ኦፕሬሽን ብልዑል ጥንቃቐ እናተሳለጠ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

ቅድሚ ሕዚ እውን ኣብቲ ወደብ ናይ ሰባት ንኽክእ ዝበዝሐሎም ከባቢታትን ኣታዊ ፅዕነት ሒዘን ዝኣትዋ ተሽከርከርቲ ነፀጋ ኬሚካል ፀረ-ታህዋሲያን ምክያድ፣ ዝኾነ ይኹን ናብቲ ወደብ ዝኣቱ ሰብ መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን (ማስክ) ንኽጥቀሙን ልክዒት መጠን ረስኒ ንኽገብሩን ግቡኦም ኮይኑ እናተሰርሐ ይርከብ።

ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ምስ ቢሮ ጥዕና ክልል ኦሮሚያ ብምትሕብባር ኣብቲ ወደብ ምርመራ ቫይረስ ኮሮና ዝተጀመረ እንትኸውን፥ ኣብ ናይ ቀዳማይ ዙር ምርመራ ኣብ ውሽጢ እቲ ወደብ ንዝሰርሑ ዝተፈላለዩ ሰራሕተኛታት፣ ሹፌራትን ካልኦት ዓማዊልን ተኻይዱ።

ኣብ ደረቕ ወደብ ሞጆ ዝተጀመረ ስራሕቲ ምርመራ፥ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ቀፃላይ ብዝኾነ መልክዑ ከምዝስራሕ እውን እቲ ትካል ኣፍለጡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.