ወግዓዊ ስነ ስርዓት ሹመት ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ምሸት ክካየድ ኢዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ዝተሳለጠ ፕሬዚዳንታዊ ምርጫ ኣሜሪካ ዝተዓወቱ ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ምሸት መበል 47 ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ብምዃን ብወግዒ ክሽየሙ ኢዮም።
እቶም ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመታት ናብ ቤተ መንግስቲ ፃዓዱ ዝምለሱ ፕሬዚዳንት፥ ክልተ መጋባእያ ፍርዲ፣ ብዙሓት ክስታት ገበን፣ ክልተ ፈተነታት ቅትለትን ብዙሓት ፅዕንቶታትን ብምሕላፍ ኢዮም ናብዚ በፂሖም።
እቲ ወግዓዊ ሹመት ምሸት ሰዓት 2፡00 ዝካየድ እንትኸውን፥ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ዘሎ ልዑል ቀዛሕታ ቁሪ ስዒቡ ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽ ኢዩ ክፍፀም ተባሂሉ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት፥ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ሃይለማሪያም ደሳለኝ ሓዊሱ ብዙሓት መራሕቲ ዓለምን ዲፕሎማትን ክርከቡ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ኣሎ።