Fana: At a Speed of Life!

ወዲ ኣምባሳደር ስዩም መስፍንን በዓልቲ ቤቶምን ንላዕለዎት ኣመራርሓታት ህወሓት ሓገዝ ሕክምናን ገንዘብን ይገብሩ ከምዝነበሩ መርማሪ ፖሊስ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ወዲ ኣምባሳደር ስዩም መስፍን ኣግኣዚ ስዩምን በዓልቲ ቤቶም ፈለገ ህይትን ንላዕለዎት ኣመራርሓታት ህወሓት ብሕቡእ ሕክምና ክረኽቡን ብገንዘብ ይሕግዙዎም ከምዝነበሩን መርማሪ ፖሊስ ገሊፁ።

እዚ ዝበለ መርማሪ ፖሊስ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ እንትኸውን፥ ተጠርጠርቲ ንሳልሳይ እዋን ሎሚ መዓልቲ መጋባእያ ቀሪቦም፡፡

እቲ መርማሪ ፖሊስ በቲ ዝተውሃቦ መዓቲ ምርመራ ብዙሓት መረዳእታታት ምእካቡ ሎሚ መዓልቲ ንመጋባእያ ብምግላፅ፤ ተወሰኽቲ መሰኻኽር ንምቕባል ናብ ብሄራዊ ድሕንነት ዝለኣኾ መሳርሒ ምርመራ ኤሌክትሮኒክስ ንምቕባልን ካልኦት ምርመራታት ንምስላጥን ተወሳኺ ግዘ ከምዘድሊዮ ገሊፁ፡፡

ኣብ ዘካየድኩዎ ምርመራ ንላዕለዎት ኣመራርሓታት ሓገዝ ሕክምና ምግባርን መድሓኒት እናገዝኡ ይልእኹ ከምዝነበሩን ብመረዳእታ ምርግጋፁ እውን ንመጋባእያ ኣረዲኡ፡፡

መርማሪ ፖሊስ ተሳትፎኦም እንትገልፅ፥ ሁከትን ናዕቢን ንኽለዓል ገንዘብ ብምምችቻው እናረድኡ ነይሮም ክብል ገሊፁ፡፡

ኣብ መጋባእያ ምስ ጠበቐኦም ዝተረኸቡ ተጠርጠርቲ፥ ተወሳኺ መሰኻኽር ንምምራፅ ምባሉ ግቡእ ኣይኮነን መሰል ዋሕሶም ንምኽልካል ተሓሲቡ ዝቐረበ ኢዩ ክብል ጠበቐኦም ተቓዊሙ፡፡

ጠበቐኦም ናብ ኢንሳ ዝተልኣኸ ምርመራ ኤሌክትሮኒክስ እውን እንተኾነ፥ ምስቶም ተጠርጠርቲ ኣይራኸብን ኣድራሻ ስለዘለዎም መሰል ዋሕሶም ንኽሕለወሎም ሓቲቱ፡፡

መርማሪ ፖሊስ ድማ ብጠበቓ ዝቐረበ ከሕቶ ዋሕስ ይወሃቦም ዝብል ሕቶ ተቓዊሙ፡፡

እቲ ምርመራ ኤሌክትሮኒክስ ዝተለዋወጡዎም ናይ ድምፂን ፅሑፍን መልእኽታት ንምምርማር ከምዝኾነ ገሊፁ፡፡

ብተወሳኺ ተጠርጠርቲ ኣድራሸኦም ከመዝግቡ ኣብ ዝተሓተቱሉ እዋን እኹል ኣድራሻ ከምዘይብሎም ምግላፆ ኣዘኻኺሩ፡፡

ተጠርጠርቲ ብዋሕስ እንተተፈቲሖም መሰኻኽር ክድልሉ ይኽእሉ ኢዮም ብምባል ነቲ ዋሕስ ተቓዊሙ፡፡

ክትዕ ክልቲኡ ወገን ዘድመፀ መጋባእያ ብግድኡ፥ መርማሪ ፖሊስ ተሪፎምኒ ንዝበሎም ስራሕቲ ምርመራ ሸሞንተ ተወሰኽቲ መዓልቲታት ፈቒዱ፡፡

ብታሪክ ኣዱኛ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.