Fana: At a Speed of Life!

ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም ሓለዋ ምስክርነተን ተላዒሉ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ጉንበት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ወይዘሮ ኬሪያ ኢብራሂም ሓለዋ ምስክርነተን ተላዒሉ ዳግም ናብ ቤት ፍርዲ ከምዝቐረባ ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ገሊፁ።

ወይዘሮ ኬሪያ ዛሬ የፌዴራል መጀመሪያ ደረጃ ፍርድ ቤት አራዳ ምድብ አንደኛ ጊዜ ቀጠሮ ችሎት ቀርበዋል።

ሓላፊ ፕሬስ ሴክሬታሪያት ላዕለዋይ ዓቃቢ ሕጊ ፌዴራል ኣይተ ኣወል ሱልጣን ክምዝገለፁዎ፥ ወይዘሮ ኬሪያ ካብ ተኸሳሲት ናብ ምስክርነት ተቐይረን ነይረን።

እተን ተጠርጣሪት ብኣዋጅ ሓለዋ ተቆምቲን መሰኻኽርን ቁፅሪ 699/2003 ብዘኣተወኦ ስምምዕነት መሰረት ብምግባር ዝርዝር ቃል ምስክርነተን ብፍቓደን ከምዝሃባ ኣዘኻኺሮም።

ብፍቓደን ምስክርነተን ብሲዲን ፅሑፍን ሂበን ከምዝነበራ ዝሓበሩ ኣይተ ኣወል፥ ብውሳነ ቤት ፍርዲ ካብ ማእሰርቲ ከምዝተለቐቓን ጎድና ጎድኒ ድማ ኣድላዪ ሓለዋ ምስክርነት እናተገበረለን ምፅንሑን ተዛሪቦም።

ይኹን እምበር ወይዘሮ ኬሪያ ድሕሪ እዋን ምስክር ናይ ምዃን ድሌት ከምዘይብለንን ምስክርነት እናሃባ ዝፀንሓ እውን ተገዲደን ከምዝነበራን ብምግላፀን ምስክርነተን ከምዝተቋረፀ ገሊፆም።

ኣብ ኣዋጅ ሓለዋ ተቆምቲን መሰኻኽርን ቁፅሪ 699/2003 ዓንቀፅ 11 መሰረት ብምግባር ተጠቃሚ ጠበቓ ስምምዕነቱን ግቡኡን ዘየኽብር እንተኾይኑ ውዕሊ ስምመዕነቱ ስለዝቋፅ፥ ዓቃቢ ሕጊ እውን ወይዘሮ ኬሪያ ምስክር ብምዃነን እናሃበን ዝነበረ ስምምዕነት ሓለዋ ንምልዓል ከምዝተገበደደ ኣብሪሆም።

“ስለዝኾነ ድማ ወይዘሮ ኬሪያ ቅድሚ ሕዚ ብዝተጠርጠራሉ ገበን ስራሕቲ ቅድመ ምርመራ ንኽጅመር ሎሚ መዓልቲ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሕቶ ኣቕሪቡ ኣሎ” ኢሎም።

ጠበቓታት ተጠርጣሪት ኣብቲ ጉዳይ ንምክታዕ ኣይተሰናዳእናን ብምባሎም፥ ወይዘሮ ኬሪያ ዝቕፅል ሰኑይ ናብ ቤት ፍርዲ ንኽቐርባ ቤት ፍርዲ ምእዛዙ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ክሳብ ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐርባ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ፖሊስ ንኽፀንሓ እውን ወሲኑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.