Fana: At a Speed of Life!

ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ሚኒስትር ጉምሩክ ቻይና ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር እቶት ፌዴሪኢ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ሚኒስትር ምምሕዳር ጉምሩክ ቻይና ተዛቲየን።

ኣብ እዋን እቲ ዘተ፥ ስርዓት ዘይሕጋዊ ንግዲ፣ ምቁፅፅር ዝውውር መዐወኒ ሓሽሽ ከምኡ እውን ምዝማን ስርዓት ጉምሩክን ንምልውዋጥ መረዳእታታት ጉምሩክ ዘገልግልን ሓደ ኮሚቴ ቴክኒክ  ከምዝተጣየሸ ተሓቢሩ።

እቲ ኮሚቴ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብምምፃእ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ጉጅለ ብምዃን ኣወሃህባ ኣገልግሎት ጉምሩክ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ዑደት ከምዝገብር ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ደገፍ ኣገልግሎት ቴክኖሎጂ ንጉምሩክ ኢትዮጵያ ዝህብ እንትኸውን፥ ንሰራሕተኛታት ጉምሩክ እወን ኣወሃህባ ግልጋሎት ብዝምለከት ስልጠናታት ከመዝህበ ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.