Fana: At a Speed of Life!

ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ )ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪሃት ካሚል ምስ ዳይሬክተር ባንኪ ዓለም ኣብ ኢትዮጵያ ዑስማን ዲዮን ተዛቲየን።

እቶም ዳይሬክተር፥ ኢትዮጵያ ብዙሓት መናእሰይ ዝርከቡላ ሃገር ከም ምዃና መጠን ዘለዋ ሃፍቲ ብምጥቃም ከም ሕርሻን ቱሪዝምን ኣብ ዝበሉ ዘፈራት ጠንኪራ ብምስራሕ ብክእለት ብቑዓት ዝኾኑ መናእሰይ ናብ ስራሕ ክተዋፍ ኣለዋ ኢሎም፡፡

ዝተፈላለያ ሃገራት ቴክኒክን ሞያን ከምኡ እውን ተሞክሮ ስራሕ ብምልዓልን ኣብ ኢትዮጵያ ስራሕን ክእለትን ብዝልከት ዝረአዩ ክፍተታት ድሕሪ ምዝታይ፥ ባንኪ ዓለም ኣብ ቴክኒክን ሞያን ይኹን ስራሕ ዝተመልከተ ሓገዝ ንምግባር ድሉው ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ሚኒስትር ሙፈሪያት ካሚል ብግደአን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ 1 ሺሕን 600 ዝኾኑ ትካላት ቴክኒክን ሞያን ብቑዓት ብምግባር፣ ሓሳብ ፈጠራ ስራሕን ምስ ስርዓት ትምህርቲ ብምርኻብ፣ ስግግር ፍልጠትን ቴክኖሎጂን ብምስላጥ፣ ሕርሻን ቱሪዝምን ዝኣምሰሉን ካልኦት ብዙሓት ሰባት ከካትቱ ዝኽእሉ ዓውዲታት ስራሕ ምድሃብ ከምኡ እውን ኢትዮጵያ ዘለዋ ዓቕሚ ናብ ስራሕ ምልዋጥ ናይ ቀፃሊ ኣንፈት ኢዩ ኢለን፡፡

ዳይሬክተር ዑስማን ዲዮንን ጉጅለኦምን ቅድም ክብል ኣብ ኢትዮጵያ ዝገበሩዎ ኩለመዳይ ሓገዝ ብምንኣድ ኣብ ቀፃሊ እውን ብሓባር ንምስራሕ ንዘርአዩዎ ተበግሶ ምስጋና ምቕራበን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብና ሓበሬታ የረድእ፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/!

መከላከያ ይደግፉ/!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1 ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.