Fana: At a Speed of Life!

ወኪላት መዳርግቲ ኣካላት ኣጀንደኦም በቢክፋሉ ይውድቡ ከምዘለዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ወኪላት መዳርግቲ ኣካላት ኣጀንደኦም በቢክፋሉ ይውድቡ ከምዘለዉ ሃገራዊ ኮሚሽን ዘተ ገሊፁ።

እቲ ኮሚሽን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘተግብሮ ዘሎ ኣጀንዳ ናይ ምትእኽኻብ መድረኽ ዘተ ሎሚ መዓልቲ ሻውዓይ መዓልቱ ሒዙ ኣሎ።

ተወከልቲ ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብ፣ ተወከልቲ ሰለስቲኦም ኣካላት መንግስቲ፣ ተወከልቲ ማሕበራትን ትካላትን፣ ተወከልቲ ፓርቲታት ፖለቲካን ፅዕንቶ ፈጠርቲ ወልቀ ሰባትን ኣብ ሓሙሽተ ጉጅለታት ብምምዳብ ኣብ ዝሓለፉ መዓልታት ኣጀንደኦም ኣመዝጊቦም ኢዮም።

ካብ ሓሙሽቲኦም መዳርግቲ ኣካላት ዝተሓረዩ ተወከልቲ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ክፍለ ግዘ ቅድሚ ሰዓት ዝተኣከቡ ኣጀንዳታት፣ ህፁፅ፣ ኣድላዪን ወካሊን ብምባል ኣብ ሰለስተ ይምድቡ ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.