መንደር ኢኮ ቱሪዝም ዳንዲ ወንጪ ብምልማዕ ግዙፍ መሰረተ ልምዓት ተሃኒፁ ኢዩ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ(ዶ/ር)
ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ወንጪ ኩሉ ግዘ ፅሩይ ህያብ ተፈጥሮ ብምዃን ፀኒሓ ኢያ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ በረከት ተፈጥሮ ብምኽባል ብምሕብሓብን ብምምዕባልን ኣብ ረብሓ ምውዓል ናትና ናይ ደቂ ሰባት ተግባር ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ምዕራፍ ህንፀት ከይዲ ምልማዕ መንደር ኢኮ ቱሪዝም ዳንዲ ወንጪ ካብ 8 ሺሕ ክሳብ 12 ሺሕ ንዝኾኑ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ኣብሪሆም።
ግዙፍ መሰረተ ልምዓት ከምዝተሰርሐ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ 43 ኪሎ ሜትር መገዲታት 35ኪሎ ሜትር መብራህቲ ጎደናን ቀረብ ሓይሊን፣ 72 ሜትሮ ድልድልን ቤት ትምህርቲን ከም ኣብነት ረቝሖም።
መናእሰይ እቲ ከባቢ ዓበይቲ ስራሕቲ ልምዓት ብምሓዝ ዝመፅእሉ ተረባሕነት ኢኮኖሚ ምጥዕዓም ከምዝጀመሩ ተዛሪቦም።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።