Fana: At a Speed of Life!

ወታደራዊ ዩኒቨርሲቲታት ኢትዮጵያን ፓኪስታንን ብሓባር ክሰርሑሉ ኣብ ዝኽእሉ ኩነታት ጠሚቶም ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 01 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣምባሳደር ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲፍ ሻሪፍ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ኮማንዳንት ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ብርጋዲየር ጄኔራል ከበደ ረጋሳ ተዛቲዮም፡፡

እቲ ዘተ ኣብ ርክብን ሓበራዊ ረብሓን ትካላት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ምትሕብባር ዘድሀበ ከምዝኾነ ካብ ማሕበራዊ ሚዲያ ሰራዊት ምክልኻል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ዲፕሎማሲ ርክብ እተን ሃገራት ዝሐሸን ውፅኢታዊን ከምዝኾነ ኣምባሳደር ፓኪስታን ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲፍ ሻሪፍ ገሊፆም።

ወታደራዊ ዩኒቨርሲቲታት ክልቲአን ሃገራት ብዝበለፀ ብቴክኖሎጂ ስግግር ብስልጠና፣ ትምህርቲ፣ መፅናዕቲን ምርምርን ንምዝማድ ዝዓለመ ዘተ ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

ኣምባሳደር ኣቲፍ ሻሪፍ÷ ኣብ ቀፃሊ ወታደራዊ ዩኒቨርሲቲታት ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዓውዲታት ኣይሲቲ፣ ሳይበር ሴኪዩሪቲ፣ ኣይሮቲካል ኢንጅነሪግን መሰል ስልጠናን ፕሮግራማትን ብሓባር ከምዝሰርሑ ኣረጋጊፆም።

ኮማንዳንት ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ኢትዮጵያ ብርጋዲየር ጄኔራል ከበደ ረጋሳ ብግደኦም÷ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ወሳኒ ከምዝኾነ ልዒሎም፡፡

እቲ ዩኒቨርሲቲ ኣድማስ ልህቀት እቲ ሰራዊት ከረጋግፁ ኣብ ዝኽእሉ ኩለመዳይ ጉዳዮያት ምስ ተተሓሓዝቲ ትካላት ብቴክኖሎጀ ምትእስሳር ብምዝማድ ጭቡጥ መፅናዕቲን ውፅኢታዊ ምርምር ተግባራዊ እናገበረ ከምዝርከብ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.