Fana: At a Speed of Life!

ወታደራት ዩክሬን ኣብ ግዝኣት ሩሲያ እናተዋግኡ ከምዝኾኑ ፕሬዚዳንት ዜለንስኪ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ነሓሰ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ወታደራት ዩክሬን ናብ ግዝኣት ሩሲያ ብምእታው እናተዋግኡ ከምዝኾኑ ፕሬዚዳንት እታ ሃገር ቮሎድሚር ዜለንስኪ ገሊፆም።

ዘሌንስኪ ንፈለማ እዋን ወታደሮም ኣብ ምዕራባዊ ሩሲያ ጠረፍ ግዝኣት ኩርስክ እናተዋግኡ ከምዝኾኑ ዘረጋገፁ እንትኾኑ፥ መጥቃዕቲ እናብፀሐ ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም፡፡

ዩክሬን እቲ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ ዝጀመረቶ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰሉስ ከምዝኾነ እውን እቶምፕሬዚዳንት ኣመልኪቶም፡፡

በዚ ድማ ወታደራት እታ ሃገር ብቕልጡድ ናብ ሩሲያ ልዕሊ 10 ኪሜ ከምዝኣተዉ ተገሊፁ ኣሎ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ሩሲያ ቅድሚ ሰዓታት ኣብ ልዕሊ ርእሰ ከተማ ዩክሬን ኪየቭን ካልኦት ብዙሓት ግዝኣታትን ብድሮንን ሚሳኤልን መጥቃዕቲ ከምዝፈፀመት ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.