Fana: At a Speed of Life!

ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ኢትዮጵያ ሕፁያት መኮንናት ኣመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ኢትዮጵያ ኣብ ኣብ ማእኸል መሰልጠኒ ሁርሶ ኮንቲጀንት ንመበል 24 ዙር ዘሰልጠኖም ሕፁያት መኮንናት ሎሚ ኣመሪቑ።

ኣብ ስነ ሰርዓት እቲ ምርቓት፥ ላዕለዋይ ኢታማዦር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፣ ከንቲባ ምምሕዳር ድሬዳዋ ከድር ጁሃር፣ ዝተፈላለዩ ወተሃደራዊ ኣታሼታት፣ ጀነራል መኮንናትን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣጋይሽን ተረኺቦም።

ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፥ ተመረቕቲ ሓላፍነቶም ብኣግባቡ ከምዝዋፅኡ ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ኣብ 117 ዓመት ታሪኽ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ መኮንናት ንሓድነት ኢትዮጵያ ዝኸፈልዎ ዋጋ ልዑል ኢዩ ኢሎም።

ሓላፊ ወተሃደራዊ ቤት ትምህርቲ ኢትዮጵያ ሌ/ጄ ይመር መኮንን ብግደኦም፥ እቲ ኣካዳሚ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብዚ ሐዚ እዋን ንዝበፅሐ ብርኪ ዝነበሮ ግደ ልዑል ኢዩ ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ኣስተዋፅኦ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።

እቶም ተመረቕቲ፥ ብፍልጠት፣ ክእለትን ኣተሓሳስባን ሙሉእ ዝገብሮም ስልጠና መሪሕነት ከምዝወሰዱ ገሊፆም።

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.