ወራሪ ጁንታ ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ዓፋር እንተቐተለ እውን ንሕና ግን ህይወት ህዝቢ ትግራይ ነድሕን ኣለና-ክልል ዓፋር
ኣዲስ ኣበባ ፣ 1 ጳጉሜን፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)መንግስቲ ክልል ዓፋር ወራሪ ጁንታ ኣብቲ ክልል ወረራ ብምፍፃም ህፃናትን ደቂ ኣኒስቲዮን ዓፋር እንተቐተለ እውን ንሕና ግን ህይወት ህዝቢ ትግራይ ነድሕን ኣለና ከብል ገሊፁ።
ነዚ ድማ ንሓው ህዝቢ ትግራይ ክበሃል ህይወት ኣድሕን ሰብኣዊ ሓገዝ በቲ ክልል ክሓልፍ ይግበር ከምዘሎ ገሊፁ።
መንግስቲ ክልል ዓፋር፣ ኣካላት ፀፅታን መራሕቲ ጎሳን ምስ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብሓባር ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሓቢሩ።
ህወሓት ኣብ ህዝቢ ዓፋር ዘለዎ ፅልኣት፣ ንዕቐትን ኣረመኔነትን እንተርኣየ እውን ምስ ሓዉ ህዝቢ ትግራይ ሓቢሩ ዝነበረ ህዝቢ ዓፋር በቲ ክልል ኣቢሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ንክሓልፍ ምስ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብሓባር ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ኢዩ ተገሊፁ።
ስለዝኾነ ኣብ ቀረባ እዋን ልዕሊ 100 ሰብኣዊ ሓገዝ ዝፀዓና ተሽከርከርቲ ናብ ትግራይ ንክሓልፋ ከምዝተገበረ ተሓቢሩ።
እቲ ጁንታ ኣብ ዝተፈላለዩ ግንባራት እቲ ክልል ግህሰት ሰብኣዊ መሰለን ምጥፋእ ዘርእን ገበን ንምፍፃም ሙከራ እንተገበረ እወን ብቅልፅም ህዝቢ ዓፋር ከምዝተመከተ እቲ መግለፂ ሓቢሩ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።