Fana: At a Speed of Life!

“ወለዶ ንሰላም” ዝተብሃለ መርሃ ግብሪ ወፍሪ ሰላም ብዕሊ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ነሓሰ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)“ወለዶ ንሰላም” ዝተብሃለ መርሃ ግብሪ ወፍሪ ሰላም ብዕሊ ተጀሚሩ።

ብወለንታታት መናእሰይ ዝተጀመረ “ወለዶ ንሰላም” ኢኒሼቲቭ፥ ሓደ ሚሊየን ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ንሰላም ክታሞም ዘንብሩሉ ኢዩ።

እቲ ስነ-ስርዓት ምንባር ክታም ሚኒስትር ሰላም ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ኣብ ዝተረኸባሉ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ሆቴል ግዮን ብዕሊ ተጀሚሩ።

ወይዘሮ ሙፈርያት ኣብቲ መርሃ ግብሪ ከምዝገለፀኦ፥ ፀገማት ኢትዮጵያ ዝተደራረበን ትማሊ ዝተፈጠሩን ፀገማት ኢዮም።

ስእነት ፍትሒ፣ ዴሞክራሲን ሰናይ ምምሕዳርን ዝወለዶም ፀገማት ኢዮም ዝበላ እተን ሚኒሰትር፥ ንፅባሕ ወለዶ ኩለመዳይ ሰላም ሎሚ ምስራሕ ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲበን።

እቲ ኢኒሼቲቭ መፃኢ ዕድል ቀፃሊ ወለዶ ዝኀውን ዝተስተኻኸለ መሰረት ንምንባር ርኡይ ግደ ከምዝህልዎ ገሊፀን።

መተሓባበሪት እቲ ወፍሪ መንእሰይ ሳሮን ተስፋወርቅ፥ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ወፍሪ ሃገራዊ ናይ ሓባር መፍትሒ ብምምፃእ ሰላም ንምዕሳል ፍኖተ ካርታ ሰላም ተቐሪፁ ተግባራዊ ንምግባር ከምዝኾነ ተዛሪባ።

ኣብ ከይዲ እቲ ወፍሪ ፕሮግራማት ሰላም ተቐሪፆም ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ምትእምማን ንምፍጣር፣ ኣፈላላያት ብሰላም ንምፍታሕን ዝሓርፈፉ ርክባት ንምምሕያሽን ክስራሕ ኢዩ ተባሂሉ።

መልዐሊ ጎንፂ ዝኾኑን መፍትሒኦምን ዝተመርኮዙ መፅናዕታዊ ፅሑት ከምዝህልዉ እውን ተገሊፁ።

እቲ ኢኒሼቲቭ ካብ ዝኾነ ይኹን ሃይማኖት፣ ብሄርን ፖለቲካዊ ውግንናን ናፃ ኮይኑ ንሓበራዊ ፀገማት ኢትዮጵያ ሓበራዊ መፍትሒ ንምምፃእ ዝሰርሕ ከምዝኾነ ድማ መንእሰይ ሳሮን ኣረጋጊፃ።

ምስ መራሕቲ ሃይማኖታት፣ ዓበይቲ ዓዲን ሲቪክ ማሕበራትን ብምትሕብባር ከምዝስራሕ እውን ኣብሪሃ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.