Fana: At a Speed of Life!

ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ንኽዛዘም ቻይና ትገብሮ ሓገዝ ብ26 ሃገራት ሓገዝ ረኺነቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ ሩሲያን ዩክሬንን እናተኻየደ ዝርከብ ኲናት ንኽዛዘም ቻይና ትገብሮ ፃዕሪ 26 ሃገራት ሓገዘን ከምዝገለፃ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ቻይና ዋንግ ይ ከምዝገለፁዎ÷ ኲናት ሩሲያን ዩክሬንን ፖለቲካዊ መፍትሒ ንኽረክብ ብቻይናን ብራዚልን ዝቐረበ ሓሳብ ክልቲአን ሃገራት ተቐቢለንኦ ኢን፡፡

እቲ ሓሳብ ብዝምልከት ብሓፈሻ 45 ሃገራት ኣወንታዊ ምላሽ ከምዝሃባሉ ብምግላፅ÷ 26 ሃገራት ድማ ነቲ ሓሳብ ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝድግፋ ኣረጋጊፀን ምባሎም ስፑትኒክ ኣብ ኤክስ ገፁ ፀብፂቡ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.