Fana: At a Speed of Life!

ኮማንድ ፖስት ዞባ መተከል ኣብ ልዕሊ 23 ፀረ-ሰላም ሓይሊታት ስጉምቲ ወሲዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዞባ መተከል ኣብ ልዕሊ 23 ፀረ-ሰላም ሓሊታት ስጉምቲ ከምዝተወሰደ ኮማንድ ፖስት እቲ ዞባ ኣፍሊጡ።

ኣካቢ እቲ ኮማንድ ፖስት ኮሎኔል ኣያሌው በየነ፥ ኣብቲ ዞባ ወረዳ ዳጉር ፍሉይ ሽሙ ቁፅሪ ሰለስተ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ኣከባቢ ሰላም እናሃወኹ ዝነበሩ ሓይሊታት ብዝተወሰደ ስጉምቲ 23 ፀረ-ሰላም ሓይሊታት ከምዝተደምሰሱ ገሊፆም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር፣ ፖሊስ ፌዴራልን ኣካላት ፀፅታ እቲ ክልልን ብዝወሰዱዎ ስጉምቲ ካብ ዝተደምሰሱ ሓይሊት ብተወሳኺ፤ ንጥፍኣት እናተጠቐሙሎም ዝነበሩ ሰለስተ መሳርሒ ኲናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዘውዓለ እውን ተዛሪቦም።

ኣብቲ ከባቢ ዝንቀሳቐስ ጉጅለ ጥፍኣት ብሰላማዊ መገዲ ኢዱ ንኽህብ ብመንግስቲ እቲ ክልል ፃውዒት ከምዝቐረበሉ ዝገለፁ ኮሎኔል ኣያሌው፥ ዝተገበረሉ ፃውዒት ክጥቀም እንተዘይክኢሉ ድማ ኣብ ልዕሊ ዋና ጁንታ ከምዝተወሰደ ዘየዳግም ስጉምቲ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣተሓሳሲቦም።

ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ፥ ቅድሚ ሕዚ እናገበሮ ከምዝነበረ ሰላም እቲ ከባቢ ብዝተዋደደ መገዲ ብተጠንቀቕ ኣብ ምሕላው ዝጀመሮ ተሳትፎ ኣጠናኺሩ ንኽቕፅል ፃውዒት ምቕራቦም ካብ ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.