ኮንትሮባንድ መዓድን ንምክልኻል ዝተጀመረ ዝተዋደገ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተሓቢሩ
ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምፍራይ መዓድን ካብ ምዝማን ሓሊፉ ኮንትሮባንድ መዓድን ንምክልኻል ዝተጀመረ ዝተዋደገ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ሚኒስትር መዓድን ሃብታሙ ተገኝ ገሊፆም።
ናይ መወዳእታ ገምጋም ኣፈፃፅማ ስራሕ መንግስቲ 100 መዓልቲታት እዚ በጀት ዓመት ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ (ዶ/ር) ኣብ ዝተረኸቡሉ ዝተኻየደ እንትኸውን፥ ኣብዘቲ ገምጋም ድማ ዓውዲ ምፍራይ መዓድን ዘዘምኑ ብዙሓት ፋብሪካታት ናብ ስራሕ ንምእታው ዘኽእሎም ተግባር እናወገኑ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡
ሚኒስትር መዓድን ሃብታሙ ተገኝ፥ ኢትዮጵያ ብሃፍቲ መዓድን ዝተዓደለት ትኹን እምበር ብግቡእ ኣብ ረብሓ እንተይወዓለ ክዝፀንሐ ተዛሪቦም፡፡
ነዚ ድማ ኣሰራርሓ እቲ ዓውዲ ዘበናዊ መገዲ ዘይተኸተለ ምዃን፣ ግዕዝይናን ኮንትሮባንድን ብምኽንያት ኣልዒሎም፡፡
ብመንፅር እዚ ሃገራዊ ለውጢ ስዒቡ መዓድን ካብ ሞንጎ ሓሙሽቲኦም ዓውዲታት ብዝሃ ኢኮኖሚ ሓደ ክኸውን ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡
ነዚ ስዒቡ ድማ ኣፈራርያ መዓድን ንምዝማን ከምኡ እውን ሌብነትን ኮንትሮባንድን ንምክልኻል ብሄራዊ ካውንስል ተጣይሹ ምስ ክልላት ብምውዳድ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ እናወገነ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡
ዓውዲ መዓድን ምውዳድ ትካላት ዝሓትት ብምዃኑ ብፍላይ ኮንትሮባንድ ኣብ ምክልኻል ዝተጀመረ ዝተዋደደ ኣሰራርሓ ብዝበለፀ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡