ኮቪድ-19 ካብ ዘሕደሮ ፅዕንቶ ንምግልጋል ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ትካላትን ብምትሕብባር ይስራሕ ኣሎ
ኣዲስ ኣበባ ፣ 30 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኢትዮጵያ ኮቪድ-19 ካብ ዘሕደሮ ፅዕንቶ ንምግልጋል ምስ ዝተፈላለዩ ሃገራትን ትካላትን ብምትሕብባር ትሰርሕ ከምዘላ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ኣፍሊጡ።
“ምትሕብባር ዲጂታል ፅዕንቶ ኮቪድ 19 ንምክልኻልን ብዘላቕነት ንምፅዋርን” ብዝብል መሪሕ ቃል ዓለም ለኻዊ ሕብረት ቴሌኮሙዩኒኬሽን ዘዳለዎ መድረኽ ኢንተርኔት ተሳሊጡ።
እቲ መድረኽ ብብርኪ ዓለም ካብ ዘጋጠመ ነበዳ ኮቪድ 19 ንምፅዋርን ንምጥንካርን ኢንፎርሜሽን ቴክኖሎጂ ብዛዕባ ዝፃወቶ ግደ ንሕብረተሰብ ግንዛበ ንምጭባጥን ትርጉም ዘለዎ ለውጢ ዲጂታል ቴክኖሎጂ ንምምፃእ ዝተዳለወ ኢዩ።
ሚኒስትር ዴኤታ ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዶክተር አህመዲን መሐመድ፥ ብሰንኪ ኮቪድ ዝተጎድአ ኢኮኖሚ ዓለም ንምፅጋን ትሕብብር ዲጂታልን ፅኑዕ ርክብ ኢንተርኔትን ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብሪሆም።
ኢትዮጵያ ብዓውዲ ምትሕብባር ዲጂታል ምስ ባንኪ ዓለም፣ ሕብረት ኣውሮፓ፣ ኢስቶኒያን ካልኦት ሃገራንት ትካላትን ብምትሕብባር ትሰርሕ ከምዘላ እወን ተዛሪበን ክብል ካብ ሚኒስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ።
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።