Fana: At a Speed of Life!

ኮቪድ-19 ኣብ ኮሪደር ኢትዮ-ጅቡቲ ከስዕቦ ዝኽእል ፅዕንቶ ምንካይ ኣብዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቡ ዘተ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ግንቦት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ትራንስፖርት ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ምስ ሓበራዊ ኮሚቴ ኮሪደር ኢትዮ-ጅቡቲ ተዛቲየን።

ኮቪድ-19 ኣብ ኮሪደር ኢትዮ-ጅቡቲ ከስዕቦ ዝኽእል ፅዕንቶ ምንካይን ሎጂስቲክስ ምቅልጣፍን ኣብዝከኣለሉ ኩነታት ኣድሂቡ ዝተሳለጠ ዘተ ምዃኑ ተገሊፁ።

እተን ሚኒስትር ዝተጀመረ ዝተዋደደ ስራሕቲ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

ዘፈር ሎጂስቲክስ ለበዳ ሕማም ኮቪድ-19 ብምክልኻል ኣወሃህባ ግልጋሎት ንምምሕያሽ ዝግበር ዘሎ ምንቅስቓስ ዝነኣድ ከምዝኾነ ምግላፀን ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.