Fana: At a Speed of Life!

ኮቪድ ካብ ዘጋጥም ንደሓር ብብርኪ ሃገር 6 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ተራኢዩ-ቀ/ሚ ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሰነ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ  መበል ሓምሻይ ዘበን ሻድሻይ ዓመት ዘበን ስራሕ ራብዓይ ፍሉይ ኣኼብኡ የሳልጥ ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ብምርካብ ኢኮኖሚ ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ዓለም ልዑል ፅዕንቶ ኢኮኖሚ ከምዘሎ ኣብ መብርሂኦም ገሊፆም።

ኮቪድ ሓደ ፅዕንቶ ኢኮኖሚ እንትኸውን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ድማ ካብ ኮቪድ ብተወሳኺ ዕስለ ኣምበጣ ሓደጋ ውሕጅን ኣጋጢሙ ነይሩ ኢዩ።

ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ኢትዮጵያ ጎንፂ ብምግጣሞም እውን ዜጋታት ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ኢዮም።

ዝተጀመሩ ፕሮጀክቲታት ልምዓት ብግዚኦም ብዘይምዝዛሞም ኣብ ኢኮኖሚ ተወሳኺ ፅዕንቶ ኮይኖም ኢዮም፡፡

ብብርኪ ዓለም እውን ልዑል ናህሪ ዕዳጋ ኣጋጢሙ ኢዩ፤ ብምኽንያት እዚ ካብ ወፃኢ ናብ ኢትዮጵያ ዝኣቱ ከም ነዳዲን ዘበናዊ ዱኽዒን ዝበሉ ፍርያታት ስለዘኣትዉ ተወሳኺ ኢኮኖሚያዊ ፅዕንቶ ኣጋጢሙ ኢዩ።

ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ብዝምልከት ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ፥ ኮቪድ ካብ ዘጋጥም ንደሓር 6 ነጥቢ 1 ሚኢታዊ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ተራኢዩ።

ኣብዚ ዓመት ፅቡቕ ክረምታዊ ማእቶት ይህሉ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ስለዘሎ፣ ብዘይተለመደ መልክዑ ፍርያት ስርናይ ሓጋይ ምፍራይ ስለዝተኸኣለ፣ ቡን ብበዝሒን ዓይነትን ምፍራይ ስለዝተኸኣለ፣ ካብ ፍርያት መዓድን ካብ ቡን ቀፂሉ ልዑል መጠን ዘለዎ ኣታዊ ከምዝተረኸበ ከምዝተረኸበ ገሊፆም።

ስለዝኾነ ድማ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ ዝነበረ ኢኮኖሚያዊ ዕቤት ብዝሐሸ መልክዑ ዕቤት ክህሉ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ ኢሎም።

ንፈለማ እዋን ካብ ፍርያት ስርናይ ሓጋይ 15 ሚሊየን ኩንታል ምህርቲ ተኣኪቡ።

ናብ ወፃኢ ዝለኣኹ ፍርያታት 18 ሚኢታዊ ወሰኽ ኣርኢዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ኣታዊ ሕድሕድ ዜጋታት ልዕሊ 1 ሺሕ ዶላር ኮይኑ ኢዩ ኢሎም።

ፅዕንቶ ዕዳ ብዝምልከት ካብ 37 ናብ 26 ሚኢታዊ ምንካይ ከምዝተኸኣለ ዝገለፁ ዶክተር ኣቢይ፥ ነዙይ ቀንዲ ምኽያታት ድማ ዝተወሰኑ ዕዳታት ምኽፋል ስለዝተኸኣለ፣ መጠን ኤክስፖርት እናወሰኸ ብምምፅኡን ካልኦት ምኽያታትን ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ኢንቨስትመንት ወፃኢ ብዝምልከት ኣብ ልዑል ፅዕንቶ እናሃለወት እውን እንተኾነ 20 ሚኢታዊ ከዓቢ ክኢሉ ኢዩ፡፡

ናብ ወፃኢ ዝተለኣኹ ፍርያታት 3 ነጥቢ 5 ቢሊየን ዶላር ተረኺቡ ኢዩ።

ካብ ወፃኢ ናብ ውሽጢ ዓዲ ዝኣቱ ሸቐጣት እውን ብ 0 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ክዓቢ ክኢሉ ኢዩ፡፡

ኣፈፃፅማ ፕሮጀክታት ብዙሕ ዝተርፎ ይኹን እመበር ምምሕያሽ እናርአየ ከምዝመፅአ ገሊፆም።

ኣብዚ ዓመት 2 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ኢንቨስትመንት ኣታዊ ተረኺቡ።

ኢንቨስትመንት ውሽጢ ዓዲ ንምብርትታዕ ልዑል ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ እውን እቶም ቀዳማይ ሚኒትር ገሊፆም።

ባህሊ ቁጠባ እናዓበየ ከምዝኾደ ዝገለፁ እቶም ቀዳማይ ሚነሲትር፥ ኣብዚ ሕዚ እዋን ባንኪታት ልዕሊ 66 ሚሊየን ዓማዊል ከምዘለዉዎም ኣገንዚቦም።

ኣብ ባንኪታት ዝዘዋወር ገንዘብ እውን ልዕሊ 1 ትሪሊየን ኮይኑ ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.