Fana: At a Speed of Life!

ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ምስ ዓለም ለኸ ትካል ንግዲን ፋይንናስን ተፈራሪሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌዴራል ጥምረት ሰብ ሃፍቲ ብዙሓት ሃገራት ምስ ዝኾነ ዓለም ለኸ ትካል ንግዲን ፋይንናስን ሰነድ ስምምዕነት ተፈራሪሙ፡፡

እቲ ስምምነዕነት ዋና ፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌዴራል ኣይተ ረሻድ ከማልን ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዓለም ለኸ ትካል ንግዲን ፋይንናስ ኬጀ ሊ ተፈራሪሞምዎ፡፡

ኣብ ፕሮጀክት ፋይናንስ፣ ኣብ ህንፀት ኣባይቲን ምሕደራ ቀረብ ቴክኖሎጂ ከምኡ እውን ኣብ ኢንቨስትመንት ቬንቸር ካፒታል እቲ ኮርፖሬሽን ካብቲ ትካል ሓገዝ ዝረኽበሉ ዕድል ዝፈጥር ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ኣይተ ረሻድ ከማል ኣብቲ እዋን÷ ኮርፖሬሽን ኣባይቲ ፌዴራል ሕፅርት መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕን ዓቕሚ ፋይናንስ ንምጥንኻር ብዙሓት ተግባራት እናወገነ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ ምስ ጥንኩር ፍልፍላት ዓለም ለኸ ትካላት ፋይናንስ ብሓባር ንምስራሕ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ ዓለም ለኸ ትካል ንግዲን ፋይንናስ ኬጀ ሊ ብግደኦም÷ እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ኢትዮጵያ ክለምዕ ዝኽእል ዓብዪ ሃፍቲ ትውንን ብምዃና እኹል ቀረብ ፋይናንስ ንኽህልዎ ትካም ከምዝሰርሕ ምግላፆም ካብቲ ኮርፖሬሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.