Fana: At a Speed of Life!

ኮርፖሬሽን ባቡር ምድሪ ኢትዮጵያን ማሕበር ኣክሲዮን ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን ባቡር ምድሪ ኢትዮጵያን ማሕበር ኣክሲዮን ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ከቲሞም።

ኣብቲ ሰነድ፥ ምክትል ዋና ኣስፈፃሚ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ኢንጅነር ጌቱ ግዛውን ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ማሕበር ኣክሲዮን ባቡር ኢትዮ-ጅቡቲን ዶክተር ኣብዲ ዘነበን ክታሞም ኣንቢረሙሉ።

ክልቲኦም ትካላት ብዓውዲ ባቡር ልምዓት፣ ምምሕዳር ሃፍቲ፣ ስግግር ፍልጠትን ንግድን ብምትሕብባር ንክሰርሑ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣይተ ኣብዲ ዘነበ፥ እቲ ስምምዕነት ኣብ ዓውዲ ባቡር ዘጋጥም ዘሎ ፀገማት ብሓባር ብምቕራፍ እቲ ዓውዲ ከምዘነቓቕሕን ሃገር ብሓባር ንምግልጋል ዘኽእል ከምዝኾነን ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.