Fana: At a Speed of Life!

ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ እታዎታት ብስፍሓት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንምፍራይ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ እታዎታት ብስፍሓት ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንምፍራይ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊፁ።

እቲ ኮርፖሬሽን ምስ መዳርግቲ ኣካላት ኣብ ዘካየዶ ዘተ ኢዩ ነዚ ዝበለ።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ ኮርፖሬሽን ስራሕቲ ኮንስትራክሽን ኢትዮጵያ  ኢንጅነር ዮናስ ኣያሌው፥ ካብቶም መሰረታዊ እታዎታት ወፃእ ዘለዉ እታዎታት ኮንስትራክሽን ኣብ ውሽጢ ዓዲ ኣፍሪኻ ነምጥቃምን ነቲ ዓውዲ ንምምዕባልን ኣብ ምፍራይ እቶም እታዎታት ዝሓሸ ልምዲ ዘለዎ ኩባንያ “ራይዚንግ ሆንግፋ ግሩፕ” ብሓባር ንሰርሕ ኣለናቀ ኢሎም።

ኣብቲ መድረኽ ጎማ መሊስካ ምጥቃም፣ ኣሉሚኒየምን ዝተፈላለዩ ፍሪያታት ኮንክሪትን ምፍራይ ዝኽእሉ ፋብሪካታት ብምትካል ካብ ወፃኢ ዝኣትዉ እታዎታት ንምትራፍን ህንፀታት ካብ ዝተ፪ቀመጠሎም ገደብ መዓልቲ ኣቐዲሙ ዛዚሙ ንምርካብ ንክከኣል ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.