Fana: At a Speed of Life!

ኮርፖሬሽን መንበሪ ኣባይቲ ፌዴራል 50 ሚኢታዊ ገዛ ኽራይ ነክዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኮርፖሬሽን መንበሪ ኣባይቲ ፌዴራል ካብ ወርሒ ሚያዚያ ጀሚሩ 50 ሚኢታዊ ምንካይ ገዛ ኽራይ ከምዝገበረ ኣፍሊጡ።

መካየዲ ስራሕ እቲ ኮርፖሬሽን ኣይተ ረሻድ ከማል ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ፥ ምስ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ተተሓሒዙ እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ዘካርዮም 18 ሺሕን 153 ናይ ንግዲን መንበሪን ገዛውቲ ክራይ ንኽንክዩ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

እቲ ምንካይ ገዛ ኽራይ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ድሬዳዋን ዝርከቡ ምዃኖም እውን ገሊፆም።

እቲ ኮርፖሬሽን ኣብ ወርሒ ዝረኽቦ ዝነበረ ብር 120 ሚሊየን ኣታዊ ናብ ብር 60 ሚሊየን ክወርድ ከምዝገብሮ እውን ኣብሪሆም።

እቲ ሕዚ ዝተገበረ ምንካይ ገዛ ኽራይ ናይ መጀመርታ ምዃኑ ዝገለፁ እቶም መካየዲ ስራሕ፥ ቫይረስ ኮሮና ኣብ ቀፃሊ ዘስዕቦ ጉድኣት እናተራኣየ ክሳብ ምትራፍ ክፍሊት ክራይ ዝበፅሕ ስጉምቲ ክውሰድ ከም ዝኽእል ኣፍሊጦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.